ምኽንሻብ ኣዋልድ ክልኩል እዩ!

እቲ ምኽንሻብ ጓል ዝፍጸም ንመሰላት ወድ-ሰብ ይጎድእ እዩ (መሰላት ወድ-ሰብ ንኩሎም ሰባት ብቑዓት እዮም፣ ካብ ኣፍሪቃ፣ ኣውስትራልያ፣ ኤስያ፣ ኣመሪካ ወይ ኤውሮጳ መጺኦም ብዘይየገድስ፣ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ወይ ገና ቆልዑት ኮይኖም፣ ኣብ ዝኣምኑዎ ሃይማኖት ከምኡ’ውን ሃብታም ዋላ ድኻ ይኹኑ ውን ብዘየገድስ) ብሕልፊ መሰል ኣካላታዊ ፍጹምነት (ኣካላትኪ ከመይ ከምትሕዚ ከምኡ’ውን ኣካላትኪ/ነብስኺ ከመይ ከምዝተሓዝ ባዕልኺ ክትውስኒ ዘለኪ መሰል) ከምኡ ድማ መሰል ምክልኻል ካብ ዓመጽ ኣንጻር ኣንስትን ኣዋልድን። መንግስቲ ነዋልድን ኣንስትን ካብ ምኽንሻብ ጓል ክኸላኸለን ከምኡ’ውን ሓገዝ ከቕርበለን ግዴታ ኣለዎ።

ኣብ ጀርመን ዝኾነ ዓይነት ምኽንሻብ ናይ ደቀንስትዮ ብልዕቲ-መውለዲ ክልኩል እዩ ከምኡ’ውን ከም ብርቱዕ መህሰይቲ ኣካላት ይቕጻዕ (ኣርቲከል 226a ናይ መጽሓፍ ግቢ ገበን).

እቶም ንምኽንሻብ ዝካየዱ ሰባት ክቕጻዑ ጥራይ ዘይኮኑ፣ እንተላይ ንሓንቲ ጓል ዘኸንሽቡዋ ወለዲ ወይ ኣዝማድ እዮም ዚቕጻዑ። ኣብ ኤውሮጳ ዝነብራ ኣዋልድ ሓደሓደ ግዜ ኣብ እዋን ዕረፍቲ ኣብቲ መበቈላዊ ሃገር ወለድአን ወይ ኣብ ሓደ ጎረበት ሃገር ይኽንሸባ እየን። ቀረባ ኣባል ስድራ (ንኣብነት ኣደ-ዓባይ ወይ ሓትኖ) ከተኸንሽባ ደልያ ይኸውን። እቲ ኣብ ወጻኢ ምኽንሻብ ኣካይዱ ዝነበረ ወይ ዝደገፈ ውን ክቕጻዕ እዩ። ነዚ እገዳ ጥሕሰት ዝገብር ሰብ፣ ክሳብ 15 ዓመት ቤት-ማእሰርቲ ክቕጻዕ እዩ፣ ወይ ፍቓድ ጽንሓቱ ክስእን ከምኡ’ውን ክስጎግ ይኽእል። እዚ ንኩሉ ዓይነት ምኽንሻብ ጓል ብቑዕ እዩ።

ወለዲ ንምክልኻል ኣዋልዶም ተሓታትነት ኣለዎም። እዚ ተሓታትነት እንተዘየኽበሩ ዝምልከቱ ምምሕዳራት ክጽዋዑ እዮም፣ ካብቶም ወለዲ ሞግዚትነት/ ሓላፍነት ቆልዑት ክግበት ይከኣል፣ መንግስታውያን ትካላት ነታ ጓል ንግዚኡ ወይ ንቀጻሊ ካብቲ ስድራ ክወስድዋ ከምዝኽእሉ ማለት’ዩ።

እተን ዝተተንከፋ ኣዋልድን ኣንስትን ክፍሊታት መተካእታ ካሕሳ ካብቲ ንምኽንሻብ ኣካይዱ ዝነበረ ሰብ ክጠልባ ይኽእላ። እቲ ሰብ በቲ ምኽንሻብ ገለ ስቅያት ገሩልኪ ስለዝነበረ ገለ ክኸፍለኪ ከምዘለዎ ማለት’ዩ።