ኣዋልድ ኸ ኣበየኖት ሃገራት ይኽንሸባ፧

ኣዋልድን ኣንስትን ካብ ዝተፈላለዩ ኮማት ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኤስያ፣ ቀረባ ምብራቕ ከምኡ’ውን ደቡብ ኣመሪካ ይኽንሸባ። ከከም ቦታን ኮምን ፍልይ ዝበሉ ኩነታት ኣለው – ዋላ ኣብ ሓደ ሃገር። እዚ ንመጠን ካብ ምኽንሻብ ዝተተንከፋ ኣዋልድን ኣንስትን ከምኡ’ውን ንዓይነትን ምኽንያታትን ናይቲ ተግባር እዩ ዝምልከት።

ህይወት ኣብ ኤውሮጳ፣ ኣውስትራልያ፣ ካናዳ ወይ ሕቡራት ሃገራት ነዋልድን ኣንስትን ካብ ምኽንሻብሲ ኣይከላኸልን እዩ። ኣብቲኦም ሃገራት ምኽንሻብ ኣዋልድ ሽሕ’ኳ ያታ ዘይኮነን ብፍጹም ዝተኸልከለን፣ ገና ካብ ፍሉያት ስድራታት ብዝኾነ እዩ ዝግበር። ናይ ምኽንሻብ ርከሳ ዘለወን ኣዋልድን ኣንስትን ኣብ ዘለዋሉ ሃገር ጥራይ ዘይኮነ፣ እንተላይ ኣብ መበቈላዊ ሃገረን ኣሎ። ንኣብነት ኣብ ኤውሮጳውያን ሃገራት ዝነብራ ኣዋልድ ኣብ ዕረፍቲ ሃጋይ መገሻ ናብቲ መበቈል ሃገር ወለደን ክግበር እንከሎ ክኽንሸባ ከምዝኾና ይጋጠም እዩ።

ብዝስዕብ ገሊኦም ቁጽርታት፥

ኣብ ጀርመን ዳርጋ 70.000 ዝተኸንሸባ ኣንስቲ ይነብራ፣ ክሳብ 15.000 ትሕቲ 18 ዓመት ዘለዋ ኣዋልድ ኣብ ድንገት ኣለዋ[1] ኣብ Hessen ዝያዳ 12.000 ዝተኸንሸባ ኣንስቲ ይነብራ፣ ኣስታት 3.000 ኣዋላድ ኣብ ድንገት ኣለዋ።[2]

ኣብ ምሉእ ዓለም ዳርጋ 200 ሚልዮን ኣዋልድን ኣንስትን ተኸንሺበን እየን። ኩሉ ዓመት ተወሰኽቲ 3 ሚልዮን ኣዋልድ እናወሰኻ ይመጻ።[3]
ኣብ ዝበዝሑ ኣፍሪቃውያን ሃገራት ከምኡ’ውን ኣብ ጀርመን ምኽንሻብ ጓል ክልኩል እዩ።

ምንጭታት

[1] ፈደራላዊ ሚኒስትሪ ስድራ (BMFSFJ)፣ 25/06/2020

[2] TERRE DES FEMMES, ስታቲስቲክስ ናይ ዝተሓብአ ሓበሬታ፣ መርገጽ 10/2020

[3] www.who.int/news-room/fact-sheets/detail/female-genital-mutilation