ኣብ ምስዓር ምሕጋዝ

ሓበሬታ ኣብዚ ወብሳይት’ዚ ምስ መሓዙት ብዛዕባ ምኽንሻብ ኣዋልድ ምዝራብ ከተባብዓኪ እዩ ዝደሊ ከምኡ’ውን ፍልጠትኪ መታን ከመሓላለፍ። ብዙሓት ውድባትን ተባዕቲ ኣዋልድን ኣንስትን ሰብኡትን ኣብቶም ምኽንሻብ ጓል ዝግበር ዘለው ሃገራት ውን ይሕግዙ እዮም። ከምዚ ጥራይ ገለ ክቕይር ይኽእል!

ኣብቲ ሞያዊ ሓበሬታ መርበብና ኣብ ጀርመን ምስ ብምኽንሻብ ዝተተከፋ ኣንስትን ኣዋልድን ዝሰርሑ ኪኢላታት ንሕብሮም ኢና። ብዝተኻእለ ብዙሓት ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ መታን ክፈልጡ ከምኡውን እዚ ጉዳይ ብጥንቃቐ መታን ክሕዝዎ።