ብህዉኽ ሓገዝ ትደሊ ኣለኺ ዶ፧

ሽዑ ኣብዚ ገጽዚ ብቅኑዕ ኣተኺ። ኣብዚ እቶም ቀንዲ ኣገደስቲ ሕቶታት ብዛዕባ FGM ክምለሹ እዮም። ኣብ ህዉኻት ሕቶታት ኣብዚ ሓገዝ ክትወሃቢ ኢኺ፥

African Women in Germany
– Maisha e.V.
069 / 90 43 49 05

FIM – Frauenrecht ist Menschenrecht e.V.
(ማእከል ኣገልግሎት ምኽርን ሓበሬታን ንስደተኛታትን ስድራታቶም)
069 / 9709797-0

FORWARD Germany e.V.
0177 / 7494062

NALA e.V.
info@nala-fgm.de

LebKom e.V.
0661 / 64125

Mädchenhaus Kassel 1992 e.V.
(ቤት ኣዋልድ)
0561 / 71785

ተሌፎን ሓገዝ ጎነጽ ኣንስቲ
08000 – 116 016
ከምኡውን ኣገልግሎት ምኽሪ ኦንላይን
www.hilfetelefon.de/das-hilfetelefon.html

ብህዉኽ ሓገዝ ትደሊ ኣለኺ ዶ፧

ሽዑ ኣብዚ ገጽዚ ብቅኑዕ ኣተኺ። ኣብዚ እቶም ቀንዲ ኣገደስቲ ሕቶታት ብዛዕባ FGM ክምለሹ እዮም። ኣብ ህዉኻት ሕቶታት ኣብዚ ሓገዝ ክትወሃቢ ኢኺ፥

African Women in Germany
– Maisha e.V.
069 / 90 43 49 05

FIM – Frauenrecht ist
Menschenrecht e.V.
(ማእከል ኣገልግሎት ምኽርን ሓበሬታን ንስደተኛታትን ስድራታቶም)

069 / 9709797-0

FORWARD Germany e.V.
0177 / 7494062

NALA e.V.
info@nala-fgm.de

LebKom e.V.
0661 / 64125

Mädchenhaus Kassel 1992 e.V.
(ቤት ኣዋልድ)
0561 / 71785

ተሌፎን ሓገዝ ጎነጽ ኣንስቲ
08000 – 116 016
ከምኡውን ኣገልግሎት ምኽሪ ኦንላይን
www.hilfetelefon.de/das-hilfetelefon.html

ብሕልፊ ኣብ ከብዲ ከምኡ'ውን ኣብ እዋን ጽግያት ቃንዛ ኣለኒ

ኣብ ብዙሓት ተኸብሲበን ዝነበራ ኣዋልድን ኣንስትን ከምኡ እዩ፣ ነድርታት ስለዘለወን ወይ ከኣ ወርሓዊ ደም ክፈስስ ስለዘይክእል። ቃንዛ እንተሎኪ ናብ ሓንቲ ወይ ሓደ ናይ ደቀንስትዮ ሓኪም (ሓኪም ማሕጸን/ ጊነኮሎጊን) ክትከዲ ይግብኣኪ። ንሳ/ ንሱ ንኣዋልድን ኣንስትን ይ(ት)ሕክም ከምኡ’ውን ቃንዛኺ ክ(ት)መሓይሽ ትኽእል/ይኽእል እያ/እዩ። ክፍሊታት ንብጽሖታት ሓኪም ብኢንሹራንስ ጥዕና ክኽፈለልኪ። ኣድራሻታት ካብቶም ናይ ምምካር ጨናፍር ክትወሃቡ ኢኺ።

ኣነ ጠኒሰ ኣለኹ

ኣብ ጀርመን ምስ ትውልድታት ዝተኸንሸባ ኣንስቲ ተመኩሮ ዘለዎም መሕረሲታት፣ ናይ ደቀንስትዮ ሓካይም ከምኡ’ውን ሆስፒታላት ኣለው። ብዝተኻእለኪ ምስኣቶም ብእዋን ከምተኸንሺብኪ ተዘራረብዮም ኢኺ፣ ብዝሓሸ ክሕክሙኹ መታን ክኽእሉ። ብዝተረፈ ኣብ ሓደ ፕሮ ፋሚልያ (pro familia) ጨንፈር ኣገልግሎት ምኽሪ ወይ ኣብ ካልእ ውድብ ምኽሪ ክትወሃቢ ትኽእሊ።

ከም ተኸንሸብኩ ኣይፈለጥኩን።

ተኸንሺበን እንተኾይነን ዘይፈልጣ ኣዋልድን ኣንስትን ኣለዋ። ከም ንእሽቶይ ቆልዓ እንድሕር ተኸንሺብኪ ኔርኪ፣ ጭቡጥ ዝኽሪ ብዛዕባኡ የብልክን። ብዝተረፈ ኣዋልድ ምስ ኣዲአን ወይ ካልኦት ኣዝማድ ብዛዕቡ ክዛረባ ዝበዝሕ ግዜ ይኸብደን። ብዛዕባኡ ሕቶታት እንተለውኺ ንሓደ ጨንፈር ኣገልግሎት ምኽሪ ወይ ንሓደ/ሓንቲ ሓኪም ደቀንስትዮ ተወከሲ ኢኺ።

ናብ ሓኪም ክኸይድ ፍርሒ ኣሎኒ

ኣዋልድን ኣንስትን ብሕክምና ጽቡቕ ክንክን ክወሃባ መሰል ኣለወን። ሞያዊ ሓኪም/ ሞያዊት ሓኪም እንተ ትደሊ ኮይንኪ ወይ ብዛዕባ ተመኩሮኺ ንሓደ/ሓንቲ እትኣምኒ ሰብ ክትነግሪ እንተደሊኺ ደሃይ ግበሪ። ኣብ ጀርመን ዝተኸንሸባ ኣዋልድን ኣንስትን ብቅኑዕን ጽቡቕን ክሕክማ ዝፈልጡ ሓኻይም ኣለው። ዋላ ብንእስ ዝበሉ ተግባራት ኣብ ጽግያት ወይ ኣብ ስጋዊ ርክብ ዘሎ ቃንዛኺ ክሕክሙ ይኽእሉ። ከም ተኸንሸብኪ ንሓኪምኪ ንገርዮ/ንገርያ፣ እዚ ንመርመራኽን ሕክምናኽን የቕልሎ እዩ።

እንድሕር ቀዳማይ ቆጸራ ኣብ ሓኪም ደቀንስትዮ ኾይኑ፥ ገሊአን ኣዋልድን ኣንስትን በቲ መርመራ “ድንግልናአን” ክስረዝ ከምዝከኣል እየን ዝፈርሓ። እዚ ሓቂ ኣይኮነን። ዋላ ክሳብ ንኡሳት መህሰይትታት ኣብ “ናይ ድንግልና ንእሽቶይ ኣካል ቆርበት” (ሃይመን እዩ ዝብሃል ውን) እንድሕር በጺሑ፣ ቀልጢፎም እዮም ዝሕውዩ። ሽዑ ዝኾነ ቁስሊ ዓለባ ኣይቕልቀልን እዩ። እዚ ኣገዳሲ እዩ፣ ምኽንያቱ ማንም ሰብ፣ ዋላ ሓኪም ደቀንስትዮ ይኹን፣ ድሮ ስጋዊ ርክብ ኔሩኪ ዘይነበረኪ ክፈልጥ ኣይክእልን። ዋላ ድሕሪ ትውልዲ እቲ ሃይመን ዝብሃል ገና ከም ቅድሚኡ ክመስል ይኽእል።

ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባኡ ዋላ ኣብዚ ረኣዪ፥ ሳዕቤናት ምኽንሻብ ኣዋልድ ኣየኖት እዮም፧

ብዛዕባኡ ምዝራብ፧

ብዛዕባ ኣርእስትታት ከም ምኽንሻብ ኣዋልድ ምዝራብ ክሕግዘክን ጽቡቕ ክስምዓክን ይኽእል። እዚ ንኩላትና ኩሉ ግዜ ቀሊል ኣይኮነን። ምኽንሻብ ኣዋልድ ብዙሕ ግዜ ከም ዝኽበር ዘለዎ ያታ እዩ ተረዲኡ፣ ብዛዕባኡ ብልምዲ ኣይዝረብን እዩ ከምኡ’ውን ዝኾነ ሕቶ ብዛዕባኡ ምሕታት ዘይፍቑድ ተራእዩ። ንሓደ/ሓንቲ እትኣምኒ ከምኡ’ውን ን ጽቡቕ ዝስምዓኪ ሰብ ተወከሲ፥ እዚ መሓዛ፣ ማሕበራዊ ሰራሕተኛ፣ መምህር ወይ ሓኪም ክትከውን ትኽእል። ክሰምዓክን ክሕግዘክን እያ።

ዓርከይ / ሰበይተይ ተኸንሺባ። እዚ እንታይ ማለት ድዩ ንዓይ ከም ሰብኣይ፧

ምኽንሻብ ኣካላታዊ ከምኡ’ውን መንፈሳዊ ሳዕቤናት ንሰበይትኻ ክህልዎ ይኽእል። እቲ ጾታውነት ቃንዛ ከምዝገብራ ውን ይኸውን። ብዛዕባኡ ሕቶታት እንተለውኻ ንጨናፍር ኣገልግሎት ምኽሪ ክትውከስ ትኽእል። ቆጸራታት ኣብኡ ነጻ እዮም።

ናብ መበቈላዊ ሃገር ወለደይ እዩ ዝግዕዝ

ኣብ ዕረፍትታት እቶም ስድራታት ናብ መበቈላዊ ሃገሮም ክምለሱ ከምኡ ድማ ዝተረፈ ስድራ ክበጽሑ ኣማራጺ ኣለዎም። ጥርጣረ ወይ ፍርሒ ካብቲ መገሻ እንተሎካ፣ ሓገዝ ካብ ኣብ ዝርርብ ምስ ኣባላት ስድራ ኣብ ጀርመን ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ሰባት ኣምጽእ ኢኻ። ምስ እሙናት ሰባት ብዛዕባ ናይ ኣገልግሎት ምኽሪ ጨንፈር ከመይ ከምትረኽቦ ተዘራረቦም ወይ ናብ ናይ ሓገዝ ተሌፎን 08000 116 016 ክትውከስ።

ምኽንሻብ ኣዋልድ ክልኩል እዩ። እዚ እንታይ ማለት እዩ ንዓና ከም ወለዲ፧

ከም ኣደ ወይ ኣቦ ንምክልኻል ደቅኻ ተሓታቲ ኢኻ። ሕጊ ብዛዕባ ምኽንሻብ ኣዋላድ እንታይ ትርጉም ከምዘለዎ ንምርዳእ ኣገዳሲ እዩ ከምኡ’ውን ንጓልካ ካብ ምኽንሻብ ኣዋልድ እንድሕር ዘይትኸላኸላ ኮይንካ እንታይ ከምዝፍጸም።

ጓለይ ኣብ መገሻ ናብ መበቈላዊ ሃገረይ ከመይ ጌረ ክኸላኸላ እኽእል፧

ነቲ መገሻ ጽቡቕ ጌርካ ኣዳሉ። ንሓጋዚ ሓበሬታን ሰነዳትን ክህቡኻ ዝኽእሉ ጨናፍር ምምካር ተወከስ ኢኻ። ካብ ኣብ ዝርርብ ምስ ኣባላት ስድራ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ሰባት ሓገዝ ኣምጽእ ኢኻ። ኣቐዲምካ ንጓልካ ክትኸላኸሉ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ሓገዝቲ ርክባት ኣብ መበቈላዊ ሃገርካ ድለ ኢኻ (ንኣብነት ሃገራዊ ኮመት ኣንጻር ምኽንሻብ ኣዋልድ ከምኡ’ውን ኣንጻር ምኽንሻብ ኣዋልድ ዝሰርሑ ከባብያውያን ውድባት/NGOታት)። ቅድሚ መገሻ ጓልካ ኣብ ሓኪም መርመራ ንክትገብር ስደዳ ከምኡ’ውን ጓልካ ከምዘይተኸንሸበት ናይ ሓኪም መረጋገጺ ሰነድ ሕተት ኢኻ። ጓልካ ከተኸንሽባ ከምዘይወሰንካ ንስድራኻ ብግሉጽ ሓብሮም ኢኻ። ምኽንሻብ ኣዋልድ ብሕጊ ጀርመን ዚቕጻዕ ከምዝኾነ ንስድራኻ ሓብሮም ኢኻ፣ ዋላ ኣብ ወጻኢ ጀርመን እንተተገሩ ኣብ ጀርመን ክትኽሰስ ከምትኽእል ከምኡ ድማ መንበሪ ፍቓድካ ከምትስእን ሓብሮም። ናይ ምክልኻል መሓበሪ ኣብ ቋንቋኹም ንመረጋገጺ ሃብዎም ኣብዚ። ኩሉ ግዜ ኣብ ከባቢ ጓልካ ኩን። ምስኣ ተዛረብ ኢኻ ከምኡ ምኽንሻብ ኣዋልድ እንታይ ከምዝኾነ ተዳልዋ፣ ማንም ሰብ ክገብራ ከምዘይፍቐድ ከምኡ’ውን ኣብ ድንገት ኮይና እንድሕር ተሰሚዑዋ ክትመጸካ ከምዘለዋ ንገራ።

ጓለይ ክትኽንሸብ ኣይደልን እየ / ንጓለይ ከመይ ጌረ ክኸላኸላ እኽእል፧

ኣደን ኣቦን ብንጡፍ ንምክልኻል ኣዋልዶም ክሰርሑ ኣገዳሲ እዩ። ንዕኡ ሓገዝ ኣሎ። ንምስዓር ምኽንሻብ ኣዋልድ ኣብ ጀርመን ብዙሓት ኣንስትን ሰብኡትን ካብ ሃገራት ከም ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ጉዊነያ፣ ሶማልያ ከምኡ’ውን ሱዳን ይሰርሑ። ዝርርባት ኣብ ውሽጢ ስድራ ወይ ኣብ ኮም ከሰንዩ ከምኡ’ውን ክሕግዙ ይኽእሉ። እንድሕር ተገዲስካሉ ንጨናፍር ኣገልግሎት ምኽሪ ተወከስ ኢኻ።