ሳዕቤናት ምኽንሻብ ኣዋልድ ኣየኖት እዮም፧

ምኽንሻብ ኣዋልድ ንጥዕና ኣዋልድን ኣንስትን ሓደገኛ እዩ።

ቀጥታውያን ሳዕቤናት ምኽንሻብ ኣዋልድ ዝስዕብ ክኾኑ ይኽእሉ፥

ሳዕቤናት ንኣዋልድ ኣብ ብጽሕና ከምኡ'ውን ኣብ መጻኢ ሂወት ዓበይቲ ከለዋ ዝስዕቡ ክኾኑ ይኽእሉ፥

እቶም ሳዕቤናት ንምሉእ ህይወት ክቕልቀሉ ይኽእሉ፣ ከበድቲ እዮም ከምኡ’ውን ፈጺሞም ኣወንታዊ ኣይኮኑን። ኩላተን ዝተኸንሸባ ኣዋልድን ኣንስትን እዚኦም ሽግራት የብለንን። ጥዕናውያን ሽግራት እንተለው ከምኡ’ውን ኣየኖት ከምዘለው ካብቲ ዓይነት ምኽንሻብ እዩ ዝምርኮስ ከምኡ’ውን ካብቲ ኣከያይዳኡ።

ውገሳዊ ዳግመ-ምውጣን ናይ ጎደቦን ከናፍር ቨኑስን

ጎደቦን ከናፍር ቨኑስን ብዳግም ዝሃንጹን ዝዕረዩን መጥባሕትታት ዘቕርቡ ዘለው ሓኻይም ኣለው ኣብ ጀርመን። ምስቲ ውገሳዊ ዳግመ-ምውጣን ናይ ጎደቦን ከናፍር ቨኑስን ኣዋልድን ኣንስትን ቃንዛ ዘይብሉን ድሌት ዘለዎን ጾታውነት ንክምኮራ ኣማራጺ ይወሃበን።

ሕቶታት ወይ ሓገዝ እንተትደሊ ኮይንኪ ናብ ሓደ ጨንፈር ኣገልግሎት ምኽሪ ተወከሲ።

ዝስዕቡ ሓኻይም ብዙሕ ተመኩሮ ምስ ናይ ዳግመ ምህናጽ መጥባሕታት ኣለዎም።

Dr. Dan mon o’Dey

www.luisenhospital.de/luisenhospital-aachen/zentren/zentrum-fuer-rekonstruktive-chirurgie/unsere-leistungen

Dr. Uwe von Fritschen

www.dfc-waldfriede.de/das-center/behandlungsangebot

ሕቶታት ወይ ሓገዝ እንተትደሊ ኮይንኪ ናብ ሓደ ጨንፈር ኣገልግሎት ምኽሪ ተወከሲ።

ጥንሲ

ኣብ ማንጎ ጥንስን ትውልድን ኣንስቲ ብሕክምና ካብ ሓንቲ ወይ ሓደ ሓኪም ደቀንስትዮ (ጊነኮሎገ/ኢን) ወይ/ውን ካብ መሕረሲት ክእለያ እየን። ምኽንሻብ ኣዋልድ ክሳብ ሽግራት ኣብ መንጎ ጥንስን ትውልድን ክበጽሕ ይኽእል። ዋላ ብንኣሽቱ ሕክምናውያን ተግባራት እታ/እቲ ሓኪም ደቀንስትዮ ነቲ ትውልዲ ከቕልሉ ይኽእሉ፣ ዝተቈሰለ ዓለባ ንኣብነት ብምሕካም። ብእ ኡ እቲ ደም ጽግያት ብዝሓሸ ክፈስስ ይኽእል ከምኡ’ውን ጾታውነት ከመሓይሽ ይኽእል። ተፈጥሮኣዊ ትውልዲ ክፍጸም መታን ክከኣል ሓደ ኢንፊቡለሽን ክኽፈት ኣለዎ። ድሕሪ እቲ ትውልዲ እቲ/እታ ሓኪም ዝኾኑ መህሰይትታት ክከናኸኑ ይኽእሉ። ግና ሓንቲ ሰበይቲ ብምስፋይ እንደገና ክትዕጾ ፈጺሙ ክልኩል እዩ (ዳግመ ኢንፊቡለሽን)።

እቲ ትውልዲ ጸገማት ነታ ኣደ ክገብረላ ይኸውን ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ነቲ ዘይተወልደ ናጽላ። ስለዚ ሓበሬታ ብእዋን ከተምጽኢ ኣገዳሲ እዩ።

እተን ኣንስቲ ብዛዕባ ኣካላተን፣ ጥንሰን ከምኡ’ውን ትውልዲ እንተ ዝፈልጣ፣ እቲ ትውልዲ ከኣ ብዝበዝሕ ግዜ ዝሓሸ እዩ ዝኸይድ። ኩሉ ጓልን ኩሉ ሰበይቲ እንታይ ኣብ ከባቢአን ከምዝፍጸም ከምኡ’ውን ገለ ነገር ስለምንታይ ዝፍጸም ከምዝኸውን ንክፈልጣ መሰል ኣለውን። ሓበሬታን ሓገዝን ምኽርን ናይ ምኩራት ሓኻይም ንክትቕበሊ ናብ ሓደ ጨንፈር ኣገልግሎት ምኽሪ ተወከሲ ኢኺ።

ኣእምሮኣውያን ሳዕቤናት

ኣዋልድን ኣንስትን ሓደሓደ ግዜ ዋላ ኣእምሮኣውያን ሽግራት ብሰንኪ እቲ ምኽንሻብ ኣለወን። ብዙሕ ቃንዛ ዘለዎ ኣከያይዳ እዩ፣ ብዙሕ ግዜ ብዓማጽን ብዘይ ቅድመ ተግሳጽ እዩ ዝካየድ። ዋላ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ጓህን ፍርሕን ክምለሱ ይኽእሉ፣ ንኣብነት ኣብ መንጎ ትውልዲ፣ ኣብ ሕክምናዊ መርመራ ወይ ኣብ ስጋዊ ርክብ።

ምኽንሻብ ብምሉኡ ናብቲ ዝነበረ ክምለስ ኣይክእልን እዩ። እቶም ኣካላታውያንን ኣእምሮኣውያንን ሽግራት ግና ክሕከሙ ይኽእሉ፣ መዓልታዊ ህይወት ምእንቲ ክቐልል። ነዚ ኩሉ ጓልን ኩሉ ሰበይትን መሰል ኣለወን!

ሳዕቤናት ጾታወነት

ቃንዛ ወይ ፍርሒ ኣብ ስጋዊ ርክብ እንተሎኪ ወይ ርግጸኛ እንተዘይኮይንኪ ዝኾነ ጸቕጢ ክህልወኪ የብሉን ከምኡ’ውን ኣባኺ ጸጸት ኣይትድለዪ። ካብቲ ምኽንሻብ ክምርኮስ ይከኣል ከምኡ’ውን ብዙሓት ኣዋልድን ኣንስትን እዚኦም ሽግራት ኣለውወን። ናብ ሓንቲ/ ናብ ሓደ ናይ ደቀንስትዮ ሓኪም (ጊነኮሎገ/ ጊነኮሎጊን) ወይ ናብ ጨንፈር ኣገልግሎት ምኽሪ ተወከሲ ኢኺ።

ገሊአን ኣዋልድን ኣንስትን እቲ “ሃይመን/ቆርበት ድንግልና” ኣብ ቀዳማይ ስጋዊ ርክብ ክብተን ወይ ክድምሰስ ፈሪሐን እየን። እዚ ሓቂ ኣይኮነን። እቲ “ሃይመን” ዝብሃል (ቅራፍ ቈርበት ድንግልና ማለት’ዩ) ኣብ ከባቢ ቫጊና ኣብ ቀረባ ድሕሪ መእተዊ መሸኒት ይርከብ። ዕጹው ኣይኮነን። ብኸምኡ ኣብ እዋን ጽግያት እቲ ደም ከይተዓንቀፈ ክወጽእ ይኽእል እዩ። እቲ “ሃይመን” ብስፖርት ወይ ብምስዕሳዕ ክጉዳእ ኣይክእልን። ዋላ ኣብ መርመራ ኣብታ / ኣብቲ ሓኪም ደቀንስትዮ ክስበር ኣይክእልን እዩ። ገሊአን ኣዋልድ ብዘይ “ሃይመን” እየን ዝውለዳ፣ ብዙሓት ዋላ ስጋዊ ርክባት እንተሃለወን ምሉእ “ሃይመን” ኣለወን። ኣብ ገሊአን ኣንስቲ ኣብ ቀዳማይ ምሉእ ስጋዊ ርክብ ክሳብ መህሰይቲ “ሃይመን” ከምኡ’ውን ክሳብ ምድማይ ይበጽሕ፣ ኣብ ካልአት ከምኡ ኣይኮነን። ብ”ሃይመን/ ቅራፍ ቆርበት ድንግልና” ሓንቲ ሰበይቲ ድሮ ምሉእ ስጋዊ ርክብ እንተነበራ ብሕክምና ዳርጋ ክረጋግጽ ኣይክእልን እዩ። ዋላ ክሳብ ንኡሳት መህሰይትታት ኣብቲ ናይ ድንግልና ቆርበት እንድሕር በጺሑ፣ ቀልጢፎም እዮም ዝሕወዩ። ሽዑ ዝኾነ ቁስሊ ዓለባ ኣይቕልቀልን እዩ። እዚ ኣገዳሲ እዩ፣ ምኽንያቱ ማንም ሰብ፣ ዋላ ሓኪም ደቀንስትዮ ይኹን፣ ድሮ ስጋዊ ርክብ ኔሩኪ ዘይነበረኪ ክፈልጥ ኣይክእልን። ዋላ ድሕሪ ትውልዲ እቲ “ሃይመን” ዝብሃል ገና ከም ቅድሚኡ ክመስል ይኽእል።

ሳዕቤናት ንኣወዳትን ሰብኡትን

ምኽንሻብ ኣዋልድ ነወዳትን ሰብኡትን ሳዕቤናት ከስዕብ ይኽእል፥ ንኣብነት ሰበይቶም፣ ጓሎም ወይ ሓፍቶም እንተዝሳቐያ ወይ እንተዝሞታ፣ ወይ ከኣ ኣብ ዕርክነት ጾታዊ ወይ ናይ ምሕዝነት ሽግራት እንተዝቕልቀሉ።

ናይ ጓል ምኽንሻብ ከም “ጉዳይ ሰበይቲ” እዩ ተራእዩ፣ ዝበዝሕ ግዜ ካብ ኣንስቲ ጥራይ ስለዝውደብ። ሰባት ናይ ጓል ምኽንሻብ ንክካየዱ ዘገድድ ማሕበራዊ ጸቕጢ ግና ካብ ምሉእ ኮም እዩ ዝመጽእ፣ ስለዚ እንተላይ ካብ ኣወዳትን ሰብኡትን እዩ ዝመጽእ። ንኣብነት ዘይተኸንሸበት ሰበይቱ ክምርዓው እንድሕር ኣብዮም ኣብቲ ሽግር ተራ ይጻወቱ ወይ ድማ ነቲ ኣርእስቲ ዝኾነ ኣቓልቦ እንተዘይህብዎ።

ኣወዳትን ሰብኡትን ኣገዳሲ ተራ ከምኡ’ውን ዓቢ ተሓታትነት ኣለዎም ኣብ ምስዓር ምኽንሻብ ጓል። ዕማሞም ነዋልድ ምክልኻል ከምኡ’ውን ጥዕናአን ምድጋፍ እዩ።

መሰል ጥዕና

ኩለን ኣዋልድ መሰላት ኣለወን!

ኣካላትኪ ባዕልኺ ትውንንዮ።

ማንም ሰብ ነዚ ኣካላት ክጎድእ መሰል የብሉን፣ ዋላ ወለድኺ።

እንታዋይ ሓኪም እንታይ ተሓታትነት ኣለዋ/ ኣለዎ፧

እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም / እታ ሓፈሻዊት ሓኪም

እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም / እታ ሓፈሻዊት ሓኪም እንተላይ ዘቤታዊ/ ዘቤታዊት ሓኪም እያ ትብሃል/ እዩ ዝብሃል። ኣብ ጥዕናውያን ሽግራት ንሳ / ንሱ ብልምዲ ቀንዲ ዝርከብ ሰብ እያ/እዩ። ኣድላይ ተኾይኑ ምምሕልላፍ ናብ ዝምልከት/ እትምልከት ናይ ፍሉይ መዳይ ሓኪም ተቕርብ/ የቕርብ።

ናይ ደቀንስትዮ ሓኻይም

ናይ ደቀንስትዮ ሓኻይም (ጊነኮሎጊን / ጊነኮሎገ) ጥራይ ኣንስትን ኣዋልድን እዮም ዝሕክሙ። ንሳቶም ናይ ደቀንስትዮ ጾታዊ ኣካላት ይምርምሩን ይሕክሙን እዮም ከምኡ’ውን ነንስቲ ኣብ እዋን ጥንሲ ይእልዩወን።

ፐዲኣተሪን(ኣንስታይ) / ፐዲኣተር(ተባዕታይ)

ፐዲኣተሪን(ኣንስታይ) / ፐዲኣተር(ተባዕታይ) ሞያዊ ስም ሓኪም ቆልዑ እዩ። ንሳ/ ንሱ ብዝተደጋገመ ናጽላታትን ቆልዑትን ይምርምሩ ከምኡ’ውን ንቡራት ናይ ቆልዑት ሕማማት ይሕክሙ።

ሓኪም ሽንቲ (ኡሮሎጊን/ ኡሮሎገ)

ሓኪም ሽንቲ (ኡሮሎጊን/ ኡሮሎገ) ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ኵሊት፣ ጎድናዊ ኵሊት፣ ፍሕኛ፣ ምትእስሳር ሽንቲ፣ መትረብ ሽንቲ ይሕክም/ትሕክም። ዋላ ፍሕኛ ነድርታት እንተ ሃልዮም ናብኦም ክትከይድ ትኽእል።

እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም / እታ ሓፈሻዊት ሓኪም

እቲ ሓፈሻዊ ሓኪም / እታ ሓፈሻዊት ሓኪም እንተላይ ዘቤታዊ/ ዘቤታዊት ሓኪም እያ ትብሃል/ እዩ ዝብሃል። ኣብ ጥዕናውያን ሽግራት ንሳ / ንሱ ብልምዲ ቀንዲ ዝርከብ ሰብ እያ/እዩ። ኣድላይ ተኾይኑ ምምሕልላፍ ናብ ዝምልከት/ እትምልከት ናይ ፍሉይ መዳይ ሓኪም ተቕርብ/ የቕርብ።

ናይ ደቀንስትዮ ሓኻይም

ናይ ደቀንስትዮ ሓኻይም (ጊነኮሎጊን / ጊነኮሎገ) ጥራይ ኣንስትን ኣዋልድን እዮም ዝሕክሙ። ንሳቶም ናይ ደቀንስትዮ ጾታዊ ኣካላት ይምርምሩን ይሕክሙን እዮም ከምኡ’ውን ነንስቲ ኣብ እዋን ጥንሲ ይእልዩወን።

ፐዲኣተሪን(ኣንስታይ) / ፐዲኣተር(ተባዕታይ)

ፐዲኣተሪን(ኣንስታይ) / ፐዲኣተር(ተባዕታይ) ሞያዊ ስም ሓኪም ቆልዑ እዩ። ንሳ/ ንሱ ብዝተደጋገመ ናጽላታትን ቆልዑትን ይምርምሩ ከምኡ’ውን ንቡራት ናይ ቆልዑት ሕማማት ይሕክሙ።

ሓኪም ሽንቲ (ኡሮሎጊን/ ኡሮሎገ)

ሓኪም ሽንቲ (ኡሮሎጊን/ ኡሮሎገ) ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ኵሊት፣ ጎድናዊ ኵሊት፣ ፍሕኛ፣ ምትእስሳር ሽንቲ፣ መትረብ ሽንቲ ይሕክም/ትሕክም። ዋላ ፍሕኛ ነድርታት እንተ ሃልዮም ናብኦም ክትከይድ ትኽእል።