ኣዋልድ ኸ ስለምንታይ ክኽንሸባ የብለንን፧

ምኽንሻብ ጓል ኣብ ብዙሓት ሃገራት ያታ እዩ። ሓደ ያታ ኣካል ባህሊ ኮም እዩ ከምኡ ድማ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ቀጺሉ ይመሓላለፍ። ኣወንታውያን ያታታት ኣለው፣ ንኣብነት ኣበዓዕላ ትውልዲ፣ ኣኽብሮት ዓበይቲ ወይ ሃይማኖታውያን በዓላት። ከምኡ ድማ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ዘለውዎም ያታታት ኣለው፣ ከም ንኣብነት ምኽንሻብ ጓል ወይ ብኣጋኡ ዝፍጸም ምምርዓው ኣዋልድ/ ዝተገደደ መርዓ። ያታታት ክንድቲ ነዊሕ ዝመሓላለፉ ስለዝነበሩ ኣይንቐፉን እዮም። እቶም ያታታት ዋላ ተጓዳእቲ ተኾይኖም ይቕጸሉ እዮም፣ ዋላ ምኽንያቶም ብማንም እንተዘይተፈለጠ።

ሰባት ሎሚ ካብ ኣበሓጎታቶም ዝያዳ ሓበሬታ ክረኽቡ ኣማራጺ ኣለዎም። ኣረገውቲ ያታታት ምምርማር ጽቡቕ እዩ። ባህልን ያታን ብጭቡጥ ዝተወሰኑ ኣይኮኑን። ክቕይሩ ይኽእሉ ከምኡ’ውን ምስቲ ግዜ ምስ ሰባት ቀጺሎም ይምዕብሉ። እቶም ኣበሓጎታት ነቲ ሓበሬታ ከምቲ ሎሚ ዘሎ ክረኽቡ ዝኽእሉ ኔሮም እንተዝኾኑ፣ ገሊኦም ያታታት ንጥዕና ተጓዳእቲ ከምዝኾኑ ምፈለጡ ኔሮም ከምኡ’ውን ብዓቢ ተኽእሎ ቀጺሎም ምግባሮም ምገደፉ ኔሮም። ሓደ ያታ ምቕያር ወይ ምሕዳግ ንባህሊ ምቕያር ወይ ምሕዳግ ማለት እዩ ኣይኮነን። እዚ ኣካል ተፈጥሮኣዊ ምዕባለ ወድ-ሰብ እዩ።

ኣካላትኪ ናትኪ ከምዝኾነ ከምኡ'ውን ማንም ክጎድኦ ከምዘይፍቐድ ኣይትረስዒ።

ከምኡ’ውን፦ ምኽንሻብ ጓል ብዝኾነ ሃይማኖት ይጥለብ ወይ ይምኸር ኣይኮነን! ካብ ዝኾነ ሃይማኖት ዝኣረገ ኣመል እዩ። ጐዳኢ ያታ እዩ ከምኡ ድማ ኣዝዩ ሓደገኛ ንጥዕና ኣዋልድን ኣንስትን እዩ።