መግለጺታት ናይ ኣብዚ ገጽ ዝተጠቐሙ ኣስማት

ጎደቦ እንታይ ድዩ፧

ጎደቦ ክፋል ናይ ደቀንስትዮ ጾታዊ ኣካል እዩ። እቲ ክረአ ዝከኣል ጫፍ ኣብ መንጎ እቶም ንኣሽቱ ከናፍር ይርከብ። እዚ ኣካል ናይ ጎደቦ ክረአ ይከኣል። ኣብ ኣካላትኪ እቲ ጎደቦ ዳርጋ 10 ሰንቲሜተር ነዊሕ እዩ። እቲ ጎደቦ ኣዝዩ ተኣፋፊ ኣካል እዩ። እቲ ክረአ ዝከኣል ጎደቦ ንብዙሓት ኣንስቲ ኣገዳሲ ቦታ ኣካላት እዩ፣ ስምዒት ከም ባህጊ ንክስምዐን።

ከናፍር (ናይ ቨኑስ) እንታይ ድዮም፧

ከናፍር ቨኑስ ንመእተዊ መሸኒት ዝሽፍኑ ቆርበት እዩ። ንመኽፈቲ መሸኒት ከምኡ ድማ ንጎደቦ ይከላኸሉ እዮም። ናይ ግዳም ቅሩብ ርግድ ዝበሉ ከምኡ’ውን እቶም ናይ ውሽጢ ቅሩብ ቅጥን ዝበሉ ከናፍር ኣለው። እንተላይ ዓበይትን ንኣሽቱን ከናፍር ቨኑስ እዮም ዝጽዋዑ። ኣብ ምትንካፍ ተኣፋፊ መልሲ ኣለዎም። ሕክምናዊ ስም ናይ ከናፍር ቨኑስ “ላብያ” ይብሃል።

መሸኒት/ቫጊና እንታይ ድዩ፧

መሸኒት (ብሕክምና፥ ቫጊና፣ ብናይ ዘረባ ውን ሙሺ ወይ ሞሰ ይጽዋዕ) ከም ኣንስታይ ጾታዊ ኣካል ኣብ ድሓር ግዳማውን ውሽጣውን ከናፍር ቨኑስ ብርግጽን ዝተሓለወን ተሓቢኣ ትርከብ። እቶም ናይ ውሽጢ ከናፍር ቨኑስ ንመእተዊ ቫጊና ከምኡ’ውን ን ኣብ ልዕሊኡ ዘሎ መኽፈቲ መትረብ ሽንቲ ይሽፍኑ። ኣብ ላዕሊ ኣብቲ ጫፍ ናይ ውሽጢ ከናፍር ቨኑስ እቲ ጎደቦ ይርከብ። ኣብ ድሕሪ መእተዊ ቫጊና እታ መሸኒት ትርከብ፣ ሻምብቆ እትቕረጽ ምትእስሳር ናብ ማህጸን እያ። ተለዋዪት እያ፣ እቲ ናጽላ ኣብ ትውልዲ ክሓልፍ መታን ክኽእል። ካብታ መሸኒት ናይ ጽግያት ደም ከምኡ ድማ ናይ መሸኒት ፈሳሲ ይውሕዝ። ከምቲ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብግዳም ንፈላለ፣ እቶም ግዳማውያን ኣካላት ጾታ (ዓበይትን ንኣሽቱን ከናፍር ቨቡስ፣ ጎደቦ ከምኡ’ውን መእተዊ ቫጊና) ካብ ሰበይቲ ናብ ሰበይቲ ውን ይፈላለዩ።

ኣካለ-ጉድለት እንታይ ድዩ፧

ኣካለ-ጉድለት ክፋላዊ ወይ ምሉእ ስእነት ክፋል ወይ ኣካል ናይ ኣካላት ሰብ እዩ።